WHAT WE BELIEVE IN

እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ፡ ዘይውሰን፡ ኩሉ ዝኽእል፡ ብሰለስተ ኣካል ብኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝግለጽ፡ ብሓደ ኣምላኽ ንኣምን።


እግዚኣብሄር ኣብ፡
ብፍቅሩ ምስ ኣዳም ቃል ኪዳን ብዝኣተወ መሰረት፡ ንኹሉ ሰብ ብወዱ ብመድሓኒናን ጎይታናን የሱስ ክርስቶር ምድሓን ከም ዘዳለወ፡ ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ብሕቲ መድሓኒኦም ተቐቢሎም ሓጥያቶም ንዝናዘዙ ኩሎም ድማ ፦ ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኒ ምሰል ከምዝሃቦም ንኣምን


እግዚኣብሄር ወልድ፡
ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ። ዘለኣለማዊ ወዲ እግዚኣብሄር ምኻኑ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተጸኒሲ ካብ ድንግል ማርያም ምላዱ፡
ፍጹም ስብ ፍጹም ኣምላኽ ሓጢኣት ዘይተረኽቦ፡ ኣብ ኽንዲ ሓጢኣተኛታት ተላኢኹ ኣን ምስቀል ድሙ ብምፍሳስ በጃ ሞይቱ
ዕዳ ሓጢኣትና ከፊሉ ምስ እግዚኣብሄር ኣብ ዘተዓረቀ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተንሰኤ፡ ብኽብሪ ዝዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኮይኒ
ምእንታና ይልምን ከም ዘሎ፡ ናይ ቤተክርስትያን ምስርትን ርእስን ከምዝኾነ፡ ዳግምውን ንህያዋንን ምውታንን ኪፈርድ ከምዚምለስ ንኣምን።


እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡
እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ምልኣተ ኣካል ዘለዎ ምስኮት ምኻኑ፡ ንዓልም ብዛዕባ ሓጢኣትን ጽድቅን ፍርድን ዚረትዓ ኣብ ኣመንቲ ሓዲሩ
ናብ ኩሉ ሓቂ ዝመርሖምን፡ ዝምህሮምን፡ ዜጽንዖምን፡ ዜጸናንዖምን፡ ብቅዱስ ናብራ ንምንባር ዜኽእሎም ንኣገልግሎት፡ ሓይልን
ንብይኑ ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባትን ዚህብ ምኳኑ ንኣምን።


መጽሓፍ ቅዱስ፡
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኽፈል፡ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ ብሉይ ኪዳን ምጻሕፍቲ 39፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን መጻሕፍቲ 27፡ ኩሉኹሉ 66 መጻሕፍቲ ከምዚሓዛ ንኣምን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅዱሳት ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ከምዚጸሓፍዎ፡ ሕፍቲ ዘይብሉ ቃል ኣምላኽን ናይ ቤተክርስትያን መሰረታዊ እምነትን ስርዓትን ዚሓዘ ስልጣን ዘለዎ መጽሓፍ ከምዝኾነ ንኣምን።


ውድቀት ሰብ
እግዚኣብሄር፡ ብምስሉ ሰብ ከምዝፈጠረ፡ ስብ ግና ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራሱ ብምኽንያት ሓጢኣት መንፈስ ከምዝሞተ፡ ብጽድቂ
ገዛእ ርእሱ ኮነ ብጽድቂ ኻልኦት ቅዱሳን ኪድሕን ኸም ዘይኽእል ንኣምን።


ድሕነት
ሰብ፡ በቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዚፈጸሞ ግብሪ ምድሓን ኣሚኑ ብደሙ ሕድገት ሓጢኣት ረኺቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ
ዳግም ልደት ብምርካብ ውሉድ ኣምላኽ ከምዚኽውን፡ ካብ ፍርዲ ድሒኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረክብ ንኣምን።